ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ጃኮብ ዙማ፡ ብቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ንምፍጻም ንገዛእ ርእሱ ንፖሊስ ምስትላሙ ተገሊጹ።
ዙማ፡ ኣብቲ ዝነበረሉ ኣውራጃ፡ ክዋዙሉ ናታል፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ትማሊ ረቡዕ ተረኺቡ ኣሎ ክብል፡ ፋውንዴሽን ዙማ፡ ገሊጹ።
79 ዝዕድሜኡ ዙማ፡ እንድሕሪ ናብ እንዳ ፖሊስ ዘይተረኺቡ ናብ ቤቱ መጺኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉዎ ምዃኖም ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጦም ምንባሮም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ዙማ፡ ብብልሽውና ዝቐረበሉ ክሲ ንኸረአ ናብ ቤት ፍርዲ እኳ መጸዋዕታ እንተመጸሉ ብዘይምርካቡ ብምውራድ ሕጊ ን 15 ኣዋርሕ ክእሰር ከም እትፈርዶ ይፍለጥ።
ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ትማል ረቡዕ ናብ እንዳ ፖሊስ እንተዘይተረኺቡ ድማ ካብ ቤቱ ክውሰድ ምዃኑ እቲ ቤትፍርዲ ወሲኑ ኔሩ።
እንተኾነ ግን ዙማ፡ ምስ ውሳነ ቤት ፍርዲ ክሰማማዕ ምውሳኑ ብስሙ ዝቖመ ፋውንዴሽን ገሊጹ’ሎ። ጓሉ ዳዱ ዙማ ብወገና፡ ኣቦኣ፡ ስምዒቱ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከም ዘሎ ኣብ ዝለኣኸቶ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ሓቢራ’ላ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ነበር ክእሰር እዚ ፋልማዩ ምዃኑ ይፍለጥ።