ንግስቲ ፈነወ በካሊ ጋዛት ንምንካይ ራሕሲ ንምሕዳስ ብቢልዮናት ዝቑጸር ክሮና ወጻኢታት እኳ እንተገበረ፡ ዓመት ዓመት ተመሳሳሊ ስፍሓት ዘለዎ ራሕሲ መሬት ይጠፍእ ከምዘሎ ኣሃዛት ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሮም። ጀቕጀቕ ቦታታት ብዝተፈላለየ መንገዲ እዮም ዝጠፍኡ ኣለዉ፡ ሓደ ካብዚ ድማ ህንጸት ጽርግያታትን ኣባይትን እዩ።
“እዚ እንርእዮ ዘሎና ኣሃዛት ዘተሓሳስብ’ዩ፣ እዚ ሕጂ ንፈጥሮ ዘለና ኣዎንታዊ ክሊማዊ ዓወት ኣብ ካልእ ቦታ ክጠፍእ ይኽእል’ዩ” ክትብል ማቲ ኤርሞልድ ካብ ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ሽወደን ኣተሓሳሲባ’ላ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ጽሬት ኣየር ዝተመዝገበ ምምሕያሽ ኣብ ምጉዳል ሓደጋ ኣዝማ ብፍላይ ድማ ኣብ ህፃናትን መንእሰያት ምትሕሓዝ ኣለዎ ክብል ኣብ ኢንስቲትዩት ካሮሊንስካ ዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሓፈሻዊ ጽሬት ሳንቡእ እውን ምምሕያሽ ፡ ኣብ ድሒሩ ዝመጸ ህይወት ሕዱር ሕማማት ንዝፍጠር ሓደጋታት ይንኪ እዩ።
“እዚ ምዕባለ ንወሃብቲ ፖሊሲን ውጥን ከተማን ኣዝዩ ንጹር መልእኽቲ ክሰድድ ተስፋ ንገብር” ክብል ኤሪክ ሜለን፡ ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ሓደ ካብ ጸሓትን ኣዳለውትን እዚ መጽናዕቲ ዶክተር ሕክምና ህጻናት ገሊጹ’ሎ።