ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልሙድ ናይ ትራፊክ ፈተሻ እናሃለዉ ከም እተቐትሉ ተገሊጹ።
እዞም 24 ከምኡውን 29 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣባላት ፖሊስ ኣብታ ኣብ ዶብ ፈረንሳ እትርከብ ራይንላንድ-ፓላቲኔት ወረዳ ኩሰል ሓንቲ መኪና ደው እናበሉ እዮም ተቐቲሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጎደና ዕጹው ምዃኑን ሰብመካይን ተጐራበትቲ ክማልኡን ዝኽልክል ሕጊ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ሓደ ጥርጡር ዕጡቕ ምንባሩ ሓበሬታ ምርካቦም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ድማ ፖሊስ ሃድኖም ናብታ ሳርላንድ እትበሃል ጎረቤት ክልል ኣስፊሖሞ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ገለ ዝርዝራት እዚ ገበን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ፈጸምቲ እዚ ቅትለት ኮነ ዝሃደሙሉ ሸነኽ ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ። ድራኸ እዚ ቅትለት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ፖሊስ መልሲ ከም ዘይብሎም ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።