ካብ ዕለት 18 ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጀርመን፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝለዓለ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ዝተመዝገበሉ ግዜ፡ ትማሊ ሓሙስ ምንባሩን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ 33,949 ሰባት ከምዝተለኽፉን በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ 33,777 ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብቐጻሊ ክውስኽ ከምዝተራእየ ዝገለጸ ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ ጀንስ ስፓህን፡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ልዕሊ ጀርመን፡ ራብዓይ ማዕበል ለበዳ፡ ብናህሪ ክረአ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ብፖለቲካዊ ኣጠማምታ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምውሳኽ ናይዚ ለበዳ፡ ትሑት ዝርጋሐ ክታበት ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ። ትሕቲ 67% ካብ መላእ ህዝቢ ጀርመን፡ ክልተ እብረ ክታበት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።
መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ብልዑል መጠን ይረአ ምህላዉ ዝገለጸ ስፓሃን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ንቑጣታት IVA ይውዳኣ ምህላወን ኣጠንቂቑ።