ኣብ ጀርመን ዝርከቡ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ብሕማም ሃቫና (Havana Syndrom) ተታሒዞም ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎን ጸብጻባት ዎል ስትሪት ጆርናል ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ብምጥቃስ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ኣብ 2016 ሓደ ኣባል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ኩባ (ሃቫና) ከቢድ መርዘን ምስ ሓዞ ነዚ ሕማም Havana Syndrom ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሕማም ካብ ከቢድ መርዘን ሓሊፉ፡ ምድንዛዝን ምዕናው ሓንጎልን ከስዕብ ከም ዝኽእል ይንገረሉ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ ኣብ ቻይና፡ ካንቶን፡ ዝርከብ ቆንስል ኣመሪካ፡ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ተለኺፉ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ካብ ሩስያ፡ ማያሚን ቪየናን ከም እተሰምዑ ዝዝከር እዩ።
ጠንቂ “ሕማም ሃቫና” እንታይ ከምዝኾነ ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ጸብጻባት ይሕብሩ።