ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ በርሊን፡ ጀርመን፡ ኣብ ዝተኻየደ ኣንጻር ክታበት ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ናዕቢ፡ 600 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ሓደ ወዲ 49 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ድማ ከምዝሞተን AP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኣብ ኢዱን ኣፍልቡን ስኽፍክፍ ዝብል ስምዒት ይስመዖ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ክሳብ ኣምቡላንስ እትመጽእ፡ ፖሊስ፡ ቀዳማይ ረዲኤት ከምዝገበርሉን ብድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ከምዝሞተን ተፈሊጡ።
ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ካብ ዝተኻፈሉ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ዝተተኽለ መጋረድን መጥቃዕታት ምፍጻሞም ተፈሊጡ።
ክሳብ ሕጂ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብቲ ናዕቢ ዝተጎድኡ ኣባላት ፖሊስን ሰልፈኛታትን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ጽጹይ ሓበሬታ ከምዘየለ ጸብጻባት AP ይሕብሩ።
ወላ’ኳ ሃገረ ጀርመን፡ ንሰልፊ ዝምልከት እገዳ እንተ ገበረት፡ እቲ ናይ ትማሊ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ብሓደ ኽነዲንካ (Querdenker) ዝተባህለ ሕሉፋት የማናውያን ኣባላት ዘለዎ ምንቅስቓ ዝተወደበ ምንባሩ ይፍለጥ።