ኣብ ጀርመን፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ኣሎ ክብል ጀርመናዊ ኤጀንሲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት (RKI) ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ።
ሓድሽን ብናህሪ ክላባዕ ዝኽእል ጅር ኮሮና፡ ኣብታ ካብ ሃገራት ኤውሮፓ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዎ ጀርመን፡ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ጸብጻባት’ቲ ኤጀንሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክሪስማስ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጥር እዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ብብዝሒ መልከፍቲ ዘጋጠመ፡ ብዙሓት ሰባት ብጽኑዕ ዝሓመምሉ፡ ሆስፒታላት ዘዕለቕለቓሉን ብዙሓት ሰባት ውን ዝሞቱሉን እዋን ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ ክብል ወኪል’ቲ ኤጀንሲ፡ ላርስ ኻደ (Lars Schaade)፡ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ጀርመን፡ ብሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኣ ግሁድ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ኤጀንሲ፡ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እታ 83 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ሃገረ ጀርመን፡ ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ምልካፎምን 74 ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ጸብጺባ ኣላ።