ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ንዜጋታት ዝወሃብ ዘሎ ናይ ነጻ ኮቪድ መርመራ፡ ከቋርጾ ድሌት ከም ዘለዎ፡ መንግስቲ ጀርመን እኳ እንተሓበረ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ኣብ መንጎ ቻንስለር መርኬልን ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዝርርብ ክካየደሉ እዩ ክብል RND ዝተባህለ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ክብል ተተ ኣቃሊሑ።
ንኹሎም ዜጋታት ጀርመን ዝኸውን ክታበት ኮቪድ እኳ ተዳልዩ እንተሃለወ፡ ንኹሉ ወጻኢታት ናይ መርመራ ኮቪድ፡ ብዋጋ ናይቶም ከፈልቲ ግብሪ ጥራይ ዝኽፈል ክኸውን፡ ቅቡልነት የብሉን ክብል መንግስቲ ጀርመን፡ ነዚ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሓሳብ፡ ከም መርትዖ ዘቕርቦ ዘሎ ምኽንያት እዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ 63% ካብ ዜጋታት ጀርመን፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ እንከለዉ፡ 55% ድማ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እዩም። መስርሕ ክታበት ግን ቅሩብ ምምዝባል የርኢ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ጋዜጣ ቢልድ፡ ካብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ንመስርሕ ነጻ መርመራ ኮቪድ ከቋርጽ ወሲኑ ኣሎ ዝብል ነይሩ። እዚ ድማ፡ ብዙሓት ጸለውቲ ሚኒስተራት፡ ነቲ ኩነታት መዝሚዞም፡ ክልተ ኣዕዋፍ ብሓደ እምኒ፡ ብዝብል ኣጠማምታ፡ በቲ ሓደ፡ ንወጻኢታት መንግስቲ ምንካይ፡ በቲ ካልእ ድማ፡ ናይ ዘይምኽታብ ድልየታት፡ ሰማይ ከዕርጉ ፈቲኖም ምንባሮም፡ እታ ጋዜጣ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ እቶም ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ክታበት ኮቪድ ክኽተቡ ዘይክእሉ ዜጋታት ጀርመን፡ መርመራ ኮቪድ፡ ብነጻ ክረኽቡ ምዃኖም እቲ እማመ ሓቢሩ።