ናይ ስራሕ ዘመኑ ኣብቂዑ ዝእለ ዘሎ ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ኮምሽን፡ ዦን ክላውድ ጃንከር ንምትካእ ተረቚሓ ዝጸንሐት ቮንደር ሊን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ድምጺ ምሃብ ስነ-ስርዓት ብ52 ሚእታዊት ደገፍ ረኺባ ተዓዊታ ኣላ። ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቮንደር ለይን፡ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ጀርመን እኳ እንተዀነት፡ በቶም ንሊበራልን ጸጋማውያንን ሰልፍታት ኤውሮጳ ዝውክሉ ኣባላት ናይ’ቲ ባይቶ ደገፍ ብምርካባ፡ ክትዕወት ከም ዝኸኣለት፡ ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብቲ 500 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ዝሓቁፍ ሕብረት፡ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ዘለዎ ፈጻሚ ኣካል ፕረዚደንት ኰይና ዝተመርጸት ቮንደር ለይን፡ ኣብ ቁጠባውን ፖሊሲታት ንግድን ዝካየድ ዓለም-ለኻዊ ልዝባት ከቢድ ስራሕ ከም ዝጽበያ ጸብጻባት የረድኡ። ናይቲ ባይቶ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ-ስርዓት፡ ቮን ደር ለይን ብ383 ደገፍ ክትሓልፍ እንከላ፡ 327 ከም እተቓወሙዋ ተፈሊጡ።
ብዙሕ ከቢድ ስራሕ ከም ዝጽበያ ዝሓበረት ሓዳስ ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ክትተሓባበር ድልውቲ ከም ዝዀነትን፡ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት እትወጽኣሉ ግዜ ክናዋሕ ድሌታ ምዃኑን ሓቢራ ኣላ።