ስዕዲ ዓረብ፡ ኢማራት፡ ባሕሬይን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳ ባሕርን ምድርን ከልዕላ ኣምሳያኡ ድማ ቐጠር ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት ዝጀመረቶ ክሲ ደው ከተብል ኣብ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓልመዚ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዣረድ ኩሽነር ኣብዚ ዘተ ምትሕብባሩን ኣብ ጽንብል ምኽታም እዚ ስምምዕ ምስ ኣሚር ኩዌት ብምዃን ክርከብ እዩ ኢሉ። ኩዌት ኣብዚ ዘተታት ልዑል ተራ ምጽዋታ ድማ ገሊጹ’ሎ።
መቐመጢ ኣሚር ቐጠር ብወገኑ ነዚ ልኡኽ ሰላም፡ ሸኽ ታሚም ቢን ሓመድ ኣልሳኒ፡ ክመርሖ ናብ ሱዑዳዊት ከተማ ኣል ዑላ፡ ክኣቱ ምዃኑ ብሰሉስ ገሊጹ’ሎ። ግብጺ፡ ስዑዲን ኢማራትን ንቐጠር ምስ ኢራን ብዘለዋ ዝምድናን ን ጸረ እስላማዊ ማዕበላት ብምቅዋምን ነዚ ዞባ ዘይምርግጋእ ተምጽኣሉ ኣላ ብዝብል ክሲ ኣብ 2017 ዝምድና ክበትኩ ምውሳኖምን ዝዝከር ኮይኑ ዶሓ ነዚ ክሲታት ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
ኣብ 4 ታሕሳስ 2020፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኩዌት፡ ናስር ኣልሰባሕ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ወሽመጥ ዓረብ ዘለዎም ደገፍ ዝገለጹሉ ፍርያም ዘተ እዩ ኔሩ። ንህዝቢ ኣብ ዘርብሕ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክንበጽሕ ድማ ክኢልና ኣሎና ኢሉ።