ሃገረ ዴኒማርክ፡ ንሽወደናውያን ብዘገምታ ዶባታ ትኸፍተሎም ምህላዋ ተሓቢሩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚራ ድማ ንካብ ምምሕዳራት ሃላንድ፡ ቬርምላንድን ካልማርን ዝመጹ በጻሕቲ ክትቅበል ድልውቲ ምዃናን ብወገን በጻሕቲ ድማ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ ነባርነት (folkbokföringsbevis) ክማልኡ ከምዝግባእ ገሊጻ ክብል TT ኣቃሊሑ።
ኣቐድም ኣቢላ ሃገረ ዴኒማርክ፡ ዶባታ ንካብ ምምሕዳራት ስኮና፡ ብሊኪንጋ፡ ክሮኖቤሪን ቬስተርቡቲንን ዝመጹ በጻሕቲ ከፊታ ምንባራ ይዝከር።
ብመንገድታት ባሕርን መሬትን (ቢንቶ) ዝመጹ በጻሕቲ፡ ፓስፖርት ወይ ድማ ብቑዕ ዝኾነ ናይ መንነት ዶክመንት ክህልዎም፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ነባሪ ናይተን ንዴኒማርክ ክኣትዋ ዝፍቀደለን ምምሕዳራት ምዃንካ ዘረጋግጽ ታሴራ (ወረቐት) ከም ዘድሊ ዴኒማርክ ሓቢራ።
ሃገረ ዴኒማርክ፡ ብጀካ ናብዘን ዝተጠቕሳ ሸውዓተ ምምሕዳራት ናብ ካልኦት ምምሕዳራት ሽወደን ንኸይግየሽ ኣጊዳ ምህላዋን ናብተን ካልኦት ምምሕዳራት ሽወደን እንተገይሾም ድማ ናብ ዴኒማርክ ምስ ተመልሱ ናይ 14 መዓልታት ውሸባ ከምዝጽበዮም ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።
ብመንገዲ ሽወደን ዝግበር መስርሕ ትራንዚት ግን ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉድያት ዴኒማርክ ሓቢሩ።
ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ናብ ዴኒማርክ ንኽኣትዉ ዝሕተት መምዘኒ፦ ኣብ ሓደ ኣከባቢ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ካብ 100 ሽሕ ሰብ ትሕቲ 20 ሰባት ጥራይ ብቫይረስ ኮሮና መልከፍቲ ምስ ዝህሉ ዝብል እዩ።