መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር እቲ ብ “ምርግጋጽ ድንግልና” ዝፍለጥ መስርሕ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ክንክን ክገብረለን ሕቶ ከምዘቕረበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ነፍሲ ወከፍ ጓል ኮነት ሰበይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰውነታ፡ ሂወታን ጾታዊ ስምዒታን ብገዛእ ርእሳ ክትውስን መሰል ኣለዋ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ሂወት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዝቆጻጸሩ ኣገባባት፡ ብፍጹም ቅቡላት ኣይኮኑን ክብል ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣንጻር ምስ ናይ ክብሪ ዝተሓሓዙ ዓመጻትን ጎነጻትን ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት ብምዃኑ፡ እታ መርማሪት፡ ንጾታዊ ሂወት ደቂ ኣንስትዮ ንምክልኻል፡ ተወሰኽቲ ሕግታትን ስጉምታትን ንክውሰዱ፡ እማመ ከቕርብ እዩ።
ብዘይካ እዚ፡ ብዛዕባ ዝሙትን መርዓ ናይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ህጻናት ብዝምልከት፡ እንተ ዘይተሓቢሩ፡ ከም ገበን ንኽሕሰብ፡ መርማሪት ናይዚ ጉዳይ ዝኾነት ኣማኻሪት፡ ማሪያ ሆልከ፡ ክትምርምር እያ።
ጸብጻብ ናይዚ መርመራ ኣብ ዕለት 01 ታሕሳስ 2022 ክቐርብ እዩ።