ህጻናት፡ ነፍሲ-ወከፍ ለይቲ ብዉሑዱ 9 ሰዓታት ክድቕሱ ኣለዎም።
ጉድለት ግቡእ ምድቓስ ንህጻናት ግጅፊ ነፍሲ ከስዕበሎም ይኽእል።
ብውሑዱ 9 ሰዓታት ክንድቕስ ኣለና።
ንሰዓታት ድቓስ ብዝምልከት፡ ሃገራዊ ትካል ድቓስ ነዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይህበና፡
- ጀመርቲ ትምህርቲ ህጻናት (ካብ 3 ክሳብ 5 ዓመት)፡ 10 ክሳብ 13 ሰዓታት
- ካብ ኣዚለ ክፍሊ ንላዕሊ (6 ክሳብ 13 ዓመት)፡ 9 ክሳብ 11 ሰዓታት
- ኮተቴ (14 ክሳብ 17 ዓመት)፡ 8 ክሳብ 10 ሰዓታት
ደቕኹም ብውሑዱ 9 ሰዓታት ክድቕሱ መዓድዎም ፡
- ፍሉጥ ሰዓታት ምድቓስን ምትሳእን ክህልወኩም ግበሩ።
- ኣብ ዓራት ኮይንካ ቅድሚ ምድቃስካ ዝግበር ናይ ጸለoት መሳሊ ንጥፈት ኣተኣታትዉ።
- ደቕኹም ቅድሚ ምድቓሶም ዝኾነ ንጥፈታት ክገብሩ ኣተባብዕዎም። ንኣብነት ምንባብ።
- መደቀሲ ክፍሊ፡ ዝሑልን፡ ዝጸልመተን ህዱእን ምዃኑ ኣረጋግጹ።
- ቅድሚ ምድቓስኩም፡ ዝኾነ ኤለክትሮኒክ ኣይትቕረቡ። ቲቪን ኮምፕዩተርን ከኣ ካብ መደቀሲ ክፍሊ ኣርሕቕዎ።
- ቕድሚ ምድቓስኩም፡ ምብላዕ፡ ምስታይን ኣካላዊ ምንቕስቓስን ኣወግዱ።