ሃንደስቲ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናይቲ ፍጻሜ፡ ንሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰብ መዚን እታ ሃገር፡ ንኣኼባ ምጽውዖም ተፈሊጡ። “ኣብዚ ኣኼባ ዘይምስታፍ ከም ተቓውሞ ኢና ንቖጽሮ” ክብል እቲ ጁንታ ከምዘፍለጠ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ፕረዚደንት ጊኒ ነበር፡ ኣልፋ ኮንደ፡ ብሰንበት ኣብ ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ፡ እቲ ጁንታ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ጁንታ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምፍራስ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጁ’ሎ። ኣመሓደርትን ላዕለዎት ሰብመዚን እታ ሃገር ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክትክኡ ምዃኖም እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
እታ ሃገር፡ ንግዳውን ሰብኣውን ኲነታት ንምምሕያሽ፡ መሬታውን ኣየራውን ዶባታ ከፊታ ኣላ ክብል ኣፈኛ እቲ ጁንታ ገሊጹ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ገና ብሩህ ዘይምዃኑን ብሰንበት ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንዴ፡ ኣብ ሳሎን ብወተሃደራት ተኸቢቢ ኮፍ ኢሉ ዘርኢ ቪድዮ ከም እተፈነወን ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣብታ ቪድዮ፡ ኮንደ፡ ሓደ ወተሃደር ንዘቕርበሉ ሕቶ ምምላስ እናኣበየ ተራእዩ’ሎ።
መራሒ ናይዚ ዕልዋ፡ ማማዲ ዱምቡያ፡ ባንዴራ ጊኒ ብድሕሪኡ ጌሩ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ብምቕራብ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሕማቕ ምምሕዳር እዩ ነዚ ኩነታት ኣስዒቡ ድሕሪ ምባል፡ካብዚ ንደሓር ፖለቲካዊ ሓላፍነት ንሓደ ሰብ ኣይነሰክምን ኢና እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ” ድማ ኢሉ።
እዚ እናኾነ፡ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብሰንበት፡ ተዂሲ ምስምዖም ሓቢሮም ኣለዉ።
ዛጊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN)፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (AU) ከምእውን ጉጅለ ምትሕብባር ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) ነቲ ዕልዋ፡ ብትሪ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
ክፍሊ ጒዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብወገኑ ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተስፋታት ርግኣትን ብልጽግናን እታ ሃገር ይጽልምት ኣሎ ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ፍጻመ ኮኒንዎ’ሎ።
ብሰንኪ እዚ ዕልዋ፡ ሃገረ ጊኒ፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ኣህጒራውያን መሻርኽትን እትረኽቦ ዝነበረት ሓገዛት ክተርፋ ተኽእሎታት ኣሎ፡ ይብል እቲ መግለጺ።
ጊኒ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምናን ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይብላን ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።