ኣንጻር ኮቪድ 19፡ ክታበት ካብ ዝወሰዱ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት፡ እቶም 3% ደጊሞም ብኮቪድ ይልከፉ ከምዘለዉ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ መጀመሪያ እዋን ምዉሳድ ናይቲ ክታበት፡ እቶም ቫይረስ ከምዝጥቅዑን ኣብ ዉሕድ እዋን ግን ባህሪ እቲ ቫይረስ ተቐይሩ ናይ ምስዕራር ኣጋጣሚ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የርድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ በዓል መዚ፡ ኣብ ሽወደን፡ ክልቲኡ ክታበት ወሲዶም እንደገና ብኮቪድ ካብ ዝተጠቕዑ እሞ ከኣ ዝሞቱ ሰባት፡ ቁጽሮም 67 በጺሑ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።