ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣብ ከተማ ኦፕሳላን ታቢ (Täby)ን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ከይተታሕዘ ዝጸንሐ ገበነኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብመንገዲ መርመራ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ከምተረኽበን፡ ሎሚ ድማ፡ ንኽልቲኡ ገበናት ምፍጻሙ ከምተኣመነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ።
ነቲ ገበነኛ ክንሕዞ ዝኸኣልና፡ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ምዃኑ ካብ ፖሊስ ጾታዊ ገበናት ስቶክሆሎም፡ ኒክላስ ክራፍት፡ ሓቢሩ።
እዚ ገበነኛ፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ኣብ ኦፕሳላ ዝርከብ መሐንበሲ ቦታ፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምዕማጽ፡ እታ ቀዳመይቲ ፍጻመ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣብ ታቢ፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብኻራ ኣፈራሪሁ ብምዕማጽ፡ እታ ካልኣይቲ ገበን ፈጺሙ ከይተታሕዘ ምጽንሑ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ፖሊስ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ ሓበሬታን፡ ካብ ዲ.ኤን.አይ ተበጊሱ፡ ሓደ ምስሊ (ስእሊ) ብምፍጣር ዘርጊሑ ምንባሩ ዝዝከር እኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝተገብረ መርመራታት፡ እቲ ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ሓበሬታታት ዝዓበየ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ገሊጹ።