ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሳመር ኣብ ትግባረ ዝወዓለ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣብ ቅድሚ ቆልዑ ጎነጽ ምፍጻም ብገበን ዘሕትት ኮይኑ’ዩ። እዚ ሕጊ ካብ ዝወጽእ ንደሓር 9,000 ከምኡ ዝበሉ ጒዳያት ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ከም እተገብሩን 1000 ዝኾኑ ምስ ምግሃስ መሰል ህጻን እተተሓሓዙ ክሲታት ከኣ ፍርዶም ከም እተቐበሉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ቅድሚ ህጻን ውሉዱ ንበዓል ሓዳሩ ዝሃርም ሰብ፡ ብመጥቃዕቲ ጥራይ ዘይኮነ መሰል ህጻን ብምግሃስ እውን ከም ዝኽሰስ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።