ዴንማርክ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ እገዳ ምትካኽ እኳ እንተተኣታተወት ዝያዳ ምጥባቕ ን ትግባረን ክህልዎ ሕቶታት ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። “ሰባት ኣብ ኣባይቲ ጐረባብቶም ምትካኽ ንኸቋርጹ ተወሳኺ ስጒምቲታት ምውሳድን ነቲ ሕጊታት ዳግማይ ምፍታሽን ከድሊ እዩ” ክትብል ኣፍቶንብላዴት ንዳይረክተር ማሕበር ኣዝማን ኣለርጂን ሽወደን ክሪስቲና ልዡንግሮስ ሓቢራ።
እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ ምትካኽ ሰባት ኣብ ኣባይቲ ጐረቤቶም ከየትክኹ ንምክልኻል እኹል ዘይምዃኑ ብምጥቃስ ድማ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ደጊሙ ክምርምሮ ጻውዒት ጌራ’ላ።