ኣብ ደቡብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ሞል ወዲ 22 ዕጡቕ ሰለስተ ሰባት ብምቕታሉ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ተገሊጹ። ድርኺት ገበነኛ እንታይ ምንባሩ ንጹር ዘይምዃኑ፡ ምናልባት ግና ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ሶሪን ቶማሰን ኣመልኪቱ’ሎ።
ዴንማርክ ባርባራዊ መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ’ሎ፡ ኣብ ሞል ዝሽምቱ ዝነበሩ ቆልዓ-ሰበይቲ ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ኮይኖም፡ ብርክት ዝበሉ ኸኣ ቆሲሎም ኣለዉ ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜት ፍረደርክሰን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን ዴንማርካውያን ብሓብር ደው ክብሉ፡ ስድራ መወትቲ ኸኣ ምጽንናዕ ክረኽቡ ተመንያ’ላ።