ኣስታት 25 ሽሕ ኣብ ደቡብ ዴኒማርክ ዝሰርሑ ሰባት፡ “ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ ናብ ሽወደን እንተ ድኣ ጌሽካ፡ ካብ ስራሕ ናይ ምብራር ዕድል ከጋጥመካ እዩ” ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ በጺሕዎም ከምዘሎ ንጋዜጣታት ዴኒማርክ ምንጪ ብምግባር SVT ሓቢሩ።
እዚ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ነተን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዴኒማርክ ብሰንኪ ዘለወን መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ንኸይግየሸን ዝተሓበረ ዝርዝር ኣስማት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዘጠቓልል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ናብ ሽወደን ተሕልፎ ክረምታዊ ዕረፍቲ ከም “ ብሽም ስራሕ ከቢድ በደል ምፍጻም” ኮይኑ ክቁጸር ስለ ዝኽእል፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዕዮ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ልዕሌኻ ንኸይውሰድ ከም ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ናብ ሰራሕተኛታት ዝተላእከ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ፡ ከይፈለጡ ናብ ሽወደን በጺሖም ምስ ተመልሱ ዘይተጸበይዎ ሃንደባታዊ ዘሕዝን ፍጻሜ ንኸይኮኖም መዳለዊ ተባሂላ ዝተዋህበቶም ምዃና ሓላፊት ዓቕሚ ሰብ ምምሕዳር ደቡባዊ ዴኒማርክ፡ ሊኒ ቦሪጋርድ፡ ሓቢራ።