ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ነቶም ካብ ዴኒማርክ ወጻኢ ክገሹ ዝደልዩ ዜጋታታ ዝኸውን ብፍሉይ ምስ ኩነታት ኮሮና ዝተሓሓዝ “ኤሌክትሮኒካዊ ናይ መገሻ ቪዛ” ከምዝዘገሐት TT ሓቢሩ።
ዕላማ ናይቲ ሓሳብ፡ ንወጻኢ ክገይሽ ዝደሊ ሰብ መርመራ ኮሮና ድሕሪ ምግባሩ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኑ ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ መስክርነት ንምርካብ እዩ። እዞም ገያሾ፡ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ ምስክርነት ነተን ነዚ ጉዳይ ሓደ ካብ ቅጥዕታት ናብ ሃገረን ምእታው ዝጥቀማሉ ብቐሊሉ ከርእዩ ክኽእሉ እዮም።
ዕድመ ናይዚ ዓይነት ቪዛ ካብ ሸውዓተ መዓልታት ዝበዝሕ ክኸውን ኣይግባእን። ኤሌክትሮኒካዊ ናይ መገሻ ቪዛ፡ ካብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ በዓል መዚ ጥዕና ብነጻ ክወርድ ከምዝኽእል ድማ ተሓቢሩ።
እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብዴኒማርካዊ ውድብ ሽቕለት ተቐባልነት ከምዝረኸበን ብምኽንያት ስራሕ ኮነ ብውልቃዊ ጉዳይቶም ንዝገሹ ዴኒማርካውያን ድማ ንምንቅስቓሳቶም ዘቃልል እዩ ክብል እቲ ውድብ ገሊጹ።