ጓል 10 ዓመት ህጻን ንዝተጋሰሰ ኣብ 50ታት ዝርከብ ገበነኛ ኣመልኪቱ ብቤት ፍርዲ ከባቢ ዝተዋህበ ናይ ሰለስተ ዓመት ፍርዲ
ብሕቶ ይግባይ “ቤት ፍርዲ ምዕራብ ሽወደን” ክቕልበስ ተጌሩ። እቲ ውሳነ ዳኛ ኣብታ “ስኒፓ” እትብል ቃል ዝነበሮ ዘይርግጸኝነት
ምኽንያት ዝገበረ እዩ። እዛ ቃል ቆልዑ ሽወደን ን ጾታዊ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ንምምልካት ዘዘውትርዋ ዘይወግዓዊት ስም ምዃና
ይፍለጥ።
እቲ ገበን ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ቊጥዐ ምፍጣሩን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከኣ “ስኒፓ እንታይ ምዃኑ ኣይጠፍኣንን እዩ” ዝብል ኣሽሓት
ሃሽታግ ምዝርግሑን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።