ዳርጋ ኣብ መላእ ሸወደን ብዝበሃል ደረጃ፥ ስግኣት ባርዕ ጫካ ልዑል፡ ኣዝዩ ልዑልን ክኽሰት ኣብ ጫፍ ዘሎን ተባሂሉ ክም ዝምደብ
ተፈሊጡ።. ሃሩርን ነቕጺን ምኽንያታት እዚ ኣዝዩ ዝወሰኸ ስግኣታት ባርዕ ጫካ እዮም፥ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ፥ ኣብ ብዙሕ
ከባቢታት ሽወደን እገዳ ሓዊ ክጸዓን እንከሎ፥ ኣብ ገሊኡ ብፍላይ እዚ ሕጊ ኣዝዩ ከም ዝጸንዕ ቴጌሩ’ሎ። ሰባት ኣብ ግዳም
ወጺኦም ስጋ ናይ ምጥባስ ኮነ ካልእ ምስ ሓዊ እተኣሳሰረ ንጥፈታት ከወግዱ፥ ግድን እንተኾይኑ ግና እዚ ንጥፈታት ኣብ ደምበኦም
ጥራይ ክገብርዎ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ።