ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ንኽትከውን፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ድልየት ከምዘለዎ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ንምምራሕ ሕጹይ ከምዘይኮኑ ክገልጽ ይደሊ። እቶም ዝፈልጡኒ፡ ነዚ መዝነት ከምዘይወዳደር፡ ኣቐዲመ ዝወሰንኩዎ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፡ ዝበለ ዳምቤሪ፡ ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ክትመርሕ እትኽእል ብቕዓት ዘለዋ ሰብ ኣላትና፡ ንሳ ድማ ማግዳሌና ኣንደርሾን እያ። ንሳ፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ዘለዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓለም ደረጃ ውን ብቕዓታ ዘመስከረት ሰብ እያ። ኣብ ኣገደስቲ ምርጫታት ውን ንኣባላት ሰልፊ ብሓድነት ጠርኒፋ ክትጓዓዝ እትኽእል ጓል ኣንስተይቲ እያ ክብል ገሊጽዋ።
ብዙሓት ወገናት፡ ዳምቤሪ፡ ንመዝነት መራሕ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንማግዳሌና ክወዳደር ዝኽእል ሕጹይ እዩ ክብሉ ክገልጽዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣቐድም ኣቢሎም፡ ሚኒስተር ጸዓትን ዲጂታላይዘሽንን፡ ኣንደሽ ይማን፡ ከምኡ ውን ሚኒስተር ምኽልኻል ሽወደን፡ ፒተር ሁልትክቪስትን፡ ብወገኖም፡ ንማግዳሌና ከም መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ክትከውን ከምዝሓጸይዋ ይዝከር። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጸጥታ፡ ኣርዳላን ሸካራቢ ብወገኑ፡ ኣብ ውድድር መራሒ ሰልፊ ከምዘይሳተፍ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ወከልቲ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ናይ ምምሕዳራት ስኮነ፡ ቮርምላንድ፡ ሃላንድ፡ ስካራቦሪን ፊርቦዳልን ንማግዳሊና ኣንደርሾን፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ክትከውን ሓጽዮማ ከምዘለዉ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ማሕበር መንእስያት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ውን ንማግዳሌና ድምጾም ክህቡ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።
ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሰልፊ፡ ክምረጽ ምዃኑ ይፍለጥ።