ሲቲን ቡል ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ን ደቀባት ኣመሪካውያን (ሬድ ኢንድያንስ) ዝመርሐ ሃምበል ተዋጋኣይ እዩ።
ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ዋሺንግተን ተዓቂቡ ዝነበረ ዘለላ ጸጒሩ፡ ናይ DNA መርመራ ድሕሪ ምክያድ፡ ብዘይጥርጥር ን ሻድሻይ ወዲ ወዱ፡ ኣብ ዳኮታ ምርካቦም ገሊጾም ኣለዉ። 73 ዝዕድሜኡ ኤርኒ ላ ፖይንቴ፡ ቀጥታ ወለዶ ሲቲን ቡል ምዃኑ ብዘየወላውል ተረጋጊጹስ፡ ዓቢ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። በዚ ድማ ንኻልኦት ስሙያት ኣመሪካውያን ምስ ናይ ሕጂ ሓድጊ ወለዶኦም በዚ ኣገባብ መርመራ ምርኻብ ከም ዝከኣል ዝገልጽ ዓቢ ምብርባር ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።
ሰለስተ ኣሓት ዘለዋኦ፡ ላ ፖይንቴ፡ በዚ ኣገባብ መርመራ ብርግጽ ህሉዋት ደቂ ደቁ ምዃንና ብዘየወላውል ተረጋጊጹ ኣሎ ክብል ንሮይተርስ ታሕጓሱ ገሊጹ’ሎ። “ካብ ቀደም ኣትሒዙ ምስዚ ሃምበል ዘሎና ዝምድና እንክንገልጽ ዝጠራጠሩ ሰባት ኔሮም እዮም። ሕጂውን ነዚ ውጽኢት መርመራ ይጠራጠሩ ይኾኑ እዮም” ኢሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ዳይረክተር ማእከል ጂኦ ጀነቲክስ (Geo Genetics) ከምኡውን ሳይንቲስት ኤስክ ዊለርስለቭ፡ ነዚ ኣገባብ ቆጸራ ወለዶ ከም ዘማዕበኡ ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።