ዲ/ሪ/ኮንጎ ኣብ 1990 ምስ ኡጋንዳ ኣብ ዝነበራ ግጭት፡ ካብታ ሃገር ናይ 4.3 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈላ ከም ዝሓተተት ተገሊጹ።
እዚ ዝኾነ፡ ትማል ሰሉስ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ው/ሕ/ሃ ስምዕታ ከአንግድ ኣብ ዝወዓለሉ መጋባእያ እዩ ተባሂሉ። ጠበቓ ኮንጎ ኣብ 1990ታት መጠነ ሰፊሕ ወራር ሰራዊት ኡጋንዳን ሰፈራን ከምኡውን ናብ ባርባራውነት ገጹ ዝተጸግዐ ገዚፍ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ከም እተፈጸመ ብምግላጽ እያ እዚ መጠን ካሕሳ ክወሃባ ሓቲታ ዘላ።
ጠበቓ፡ ፖል ቢን ቡሎንጎ፡ ንዳኛታት ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኡጋንዳ ስልጡን ዝኾነ ኣካይዳ ከም ዘይነበራን ዛጊት ንዝፈጸመቶ ዕንወት ካሕሳ ከም ዘይከፈለትን ተሟጊቱ። ኣብዚ ጒዳይ ዘሎ ምጒት ንዝመጻ 10 መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝመጽእ ሰሙን ኡጋንዳ ናይ ምክልኻል ጠበቓኣ ሒዛ ከም እትቐርብን ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ መንጎ 1996-2003 ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲ/ሪ/ ኮንጎ ኣብ መንጐ ሚሊሻታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተኻየደ ግርጭታት፡ ብዙሕ ንብረት ከም ዝዓነወን ሚነራላዊ ሃብቲ እታ ሃገር ከም እተጓሕጎሐን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ 1998፡ ዲ/ሪ/ ኮንጎ፡ ንሩዋንዳ፡ ብሩንድን ኡጋንዳን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምጉሕጓሕ ባህርያዊ ሃብትን ከም ዝኸሰሰተን ዝፍለጥ እዩ። እዘን ሃገራት ንቻርተር ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምግሃስ፡ ኣብ ሃገረ ኮንጎ፡ ወተሃደራዊ ገበናት ከም ዝፈጸማ ብምግላጽ ኮንጎ ክሲ ኣቕሪባ ኣላ።