ዲጂታላዊ ናይ ኦንላይን መልእኽቲታት ንምክትታል ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጸ እማመ ብ መንግስቲ ሽወደን ደገፍ ረኺቡ። እዚ
እማመ፥ ብኦንላይን ዝፍጸም ጾታዊ ምድፋር ህጻናት ንምቅላስ ተባሂሉ ዝወጸ እዩ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነ ሚኒስተር ፍትሒ
ሽወደን ጉናር ስትሮመር፥ ናብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ነዚ እማመ ከም ዝድግፍ
ኣረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ክወርድ ዝኽእል ጾታዊ ምድፋር ንምውጋድ ቆራጽ ውሳነ ምህላዉ እውን ገሊጹ። እዚ ብኣውሮጳዊ
ኮሚሽን ናብ ባይቶ ኣውሮጳ ዝቐረበ እማመ ኣብ ትግባረ እንተውዒሉ፥ ኣቕረብቲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኲሎም መልእኽቲታት
(እንተላይ እቶም ተመስጢሮም ዝለኣኹ–“ኢንክሪፕሽንስ”) ክምርምሩ ክግደዱ እዮም።
እንተኾነ ግና፥ እዚ እማመ ን ግላዊ መሰልን ዳታን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ገለ ነቐፍቲ ተቓውሞኦም
ኣስሚዖም ኣለዉ። ኣብ ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ)፥ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ነዚ እማመ ዘለዎም ደገፍ ክገልጹ እንከለዉ፡
ሰልፊታት ዴሞክራሲን ማእከላይን ግና ተቓዊሞሞ ኣለዉ።
“ኲሉ ዜጋታት ዝለዋወጥዎ ዕላላት፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታትን ስእልታትን ክንከታተል ኢና ምባል ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ቆልዑ
ካብ ናይ ኦንላይን ጾታዊ መጥቃዕቲ ክሕለዉ ኣለዎም ኣብ ዝብል ንሰማማዕ ኢና፥ እንተኾነ ግና እዚ እማመ ኣዝዩ ጫፍ ዝወጸ
እዩ” ክብል፥ ኣብ ዲጂታላዊ ጒዳያት “ኣፈኛ ማእከላይ ሰልፊ” ኒልስ ቦርን ፒተርሰን፥ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሖት
ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ኣባል ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ሽወደን (“ማሕበራዊ ዴሞክራሲ”)፥ እዚ እማመ ሚዛናዊ እዩ ክብል ደገፉ
ሂቡ’ሎ።