ኾኾብ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና፡ ኣርጀንቲናዊ፡ ዲየጎ ኣርማንዶ ማራዶና ብሰንኪ ወቕዒ ልቢ፡ ኣብ መበል 60 ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ኣብ ምጅማር ናይዚ ወርሒ፡ ድኻምን ሞራል ምውዳቕን ተሰሚዕዎ ናብ ላ ፕላታ ዝበሃል ሕክምና ድሕሪ ምኻድ፡ ብሓካይም መርመራ ተገይርሉ። ኣብ ሓንጎሉ ደም ረጊኡ ከምዘሎ፡ ድሕሪ ምሕባር ድማ ዕዉት መጥባሕቲ ተገይርሉ ብምቕጻል ድማ ካብቲ ሕክምና ከም ዝወጸ ተሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ሰሜን ቦነስኣይረስ ዝርከብ ከባቢ፡ ቲግረ፡ ኮይኑ ኣብ ገዝኡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ረቡዕ ብወቕዒ ልቢ ተጠቒዑ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።