ደጋፊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ (PKK) ዝኾነ ተቕማጢ ሽወደን፥ ናብ ቱርክ ክስትለም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ፍቓዱ ሂቡ።
እዚ ሰብኣይ ኣብ ቱርክ ብጒዳይ ዕጸ-ፋርስ ተፈሪዱ ብዋሕስ ድሕሪ ምፍናዉ ናብ ሽወደን ምእታዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣኽባር ሕጊ
ቱርክ እዚ ሰብኣይ ናብ ቱርክ ክስትለምን ማእሰርቱ ኣብ ቱርክ ክፍጸምን ከም ዝደሊ ሕቶኡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ሰብኣይ ኣብ
ዝሓላፈ ዓመት ብ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ኣብ ምፋርቕ ሰላሳታት ዝርከብ እዚ
ሰብኣይ ንቓልሲ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ ምድጋፉ ገዲፍካ ካልእ ገበን ከም ዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ
(PKK) ብ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሽወደንን ከም ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ካብ ዝመደብ ዓመታት ኣቚጽሩ’ሎ።
“ልዝባት ኔቶ ናብ ምዝዛሙ ይቐርብ ኣብ ዘለወሉ እዋን ሽወደን ኣብ ከምዚ ውሳነ ምብጽሓ፥ ግዚኡ ዝሓለወ እዩ። እዚ ውሳነ ነቲ
መስርሕ ክጸልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎና” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር መጽናዕቲታት ቱርክ ፖል ለቪን
ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። መንስግቲ ሽወደን እዚ ሰብ ናብ ሃገሩ ክስትለም ድዩ ወይስ ኣንጻሩ ክውስን እዩ ክትብል–ጋዜጣ
ኣፍቶንብላዴት ጸብጺባ’ላ።