ማእሰርቲ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ጀኮብ ዙማ፡ ምኽንያት ብምግባር ብደገፍቱ ብዝተላዕለ ዕግርግር፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ንወኪል ጸጥታ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
ኣብዚ ኣብ ኣውራጃታት ክዋዙሉ ናታልን ጓቲርንግን ዝተኻየደ ዕግርግር፡ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ወዲ 79 ዓመት ዙማ፡ ነቲ ብብልሽውና ከሲሱ ጥርዓን ዘቕረበሉ ቤት ፍርዲ ኣብ ግዜኡ ብዘይምርካቡ ኣኽብሮት ኣየርኣኻን ብዝብል ክሲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ን 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ዝዝከር እዩ።
ዙማ፡ ንገለ ግዜያት ኣብ ውሳነኡ ጸኒዑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን ንገዛእ ርእሱ ንፖሊስ ምስትላሙ ዝፍለጥ እዩ።
እንተኾነ ግን ነዚ ጒዳይ ንምፍታሕ ዝተወስደ ኣገባብ፡ ኣብ ደገፍቱ ዓብዪ ቊጥዐ ብምልዕዓሉ፡ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ዕግርግር ምግባሮም ተመልኪቱ።