መንግስቲ ደንማርክ ንሓደ ናይ ቱርኪ ዜግነት እውን ዝነበሮ ኣብ ዳዕሽ ኣባል ዝነበረ ደንማርካዊ ዜጋ ፓስፖርትኡ ኣሕዲጋቶ። እዚ ነቲ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዚዋግኡ ዜጋታት ዚምልከት መንግስቲ ዝወሰዶ ቀዳማይ ስጉምቲ ምሕዳግ ፓስፖርት ሙዃኑ ትገልጽ።
ጥበቓ ሚት ግሪት ስታገ እቲ ውሳኔ ከም እተሓበራን እንተኾነ ፡ እቲ ሰብ ግን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን ኢላ።ንሳ፡ ብመሰረት ማዕከናት ዜና ደንማርክ፡ ነቲ ውሳነ ናብተን ናይ ደንማርክ ኣብያተፍርዲ ከም እተቕርቦ ተዛሪባ፡እቲ ገና ዘይተፈልጠ 25 ዝዕድመኡ ሰብ፡ መስከረም 2013 እዩ ናብ ዳዕሽ ተሓዊሱ።
ንሱ ገና ብቤትፍርዲ ደንማርክ ይድለ ከምዘሎን፣ ብጥቅምቲ 24 ብምሰረት ናይ ደንማርክ ሕጊ፡ ነቶም ደንማርካዊ ዜግነት ሒዞም ኣብ ወጻኢ ዚዋግኡ ክልተ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ንቤትፍርዲ ከይተወከሱ ዜግነቶም ከሕድግዎም ምዃኖም ኣድሚጾም እዮም።