ናብ ዴንማርክ ዕቚባ ዝሓቱ ሰባት፡ ኣዝዮም እናወሓዱ ምምጽኦም ካብ ሰብመዚ ዴንማርክ እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። መንግስቲ ዴንማክር በዚ ሕጒስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ 2021፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ዝኣትዉለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕበረት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ማለት መበል ዕስራ ተሰሪዓ ምህላዋ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። ኣብ 2014 ዴንማርክ ብብዝሒ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ 5ይ ደረጃ ተሰሪዓ ምንባራ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። እዞም ኣሃዛት ዘመልክትዎ ነገር እንተሎ፡ መንግስቲ ኣብ እዋን ምርጫ ጽንክር ዝበለ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክኽተል ንዝኣተዎ ቃል ይትግብር ምህላዉ እዩ፡ ክትብል ሚኒስተር ምውህሃድን ስደተኛታትን ካር ዲብያድ በክ ገሊጻ’ላ።
አተን ሓሙሽተ ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቚባ ዝኣትዉወ ሃገራት ጀርመን፡ ኦስትርያ፡ ግሪኽ፡ ማልታን ቆጵሮስን እየን። ዝወሓደ ሓተትቲ ዕቚባ ዝኣትዉዋ ኣውሮጳዊት ሃገር ኣብ መበል 28 ዝተመደበት ሃንጋሪ ክትከውን እንከላ፡ ሽወደን ኣብ መበል 11 ተሰሪዓ’ላ።