ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ሃገረ ደንማርክ፡ ነቶም ካብ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦ ቆልዑ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ክትህብ ጀሚራ።
ሰንበት መዓልቲ እቶም ክታበት ዝህቡ ሰባት ነቶም ኣብቲ ሓዲሽ ናይ ዕላማ ጉጅለ ንዝርከቡ ዓበይቲ ቆልዑ ናይ መጀመርታ መድሃኒት ክታበት ከምዝሃቡ ተሓቢሩ።
ኣብ ዞባ ዚላንድ፡ ንክታበት ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ተመዲቡ፡፡ ኣሳእል ናይ ኩዕሶ እግሪ ከዋኽብትን ደረፍቲ ቅዲ ፖፕ ዝኾኑ ድምጻውያንን ካኣ ኣብ ልዕሊ መናድቕ ተሰቒሉ ምንባሩ ተገሊጹ፡፡
መርፍእ ኣብ ዝውግእሉ ግዜ ዝፈርሁ ቆልዑ ክህልዉ ይኸሉ እዮም፡፡ ንደቅና ዝበለጸ ድሕነትን ሰላምን ዝርከበሉ ቦታ ወይ ክፍሊ ክንፈጥር ንደሊ ኣለና፡ ትብል ሓላፊት ማእከል ጥዕና ናይ`ቲ ከባቢ ዝኾነት ትራይን ሆልገርሰን፡ ቀጺላ ድማ፡ ኣብ ናይ ዕድመ ክልል ቁሩብ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ምስ እንወርድ፡ ምናልባት ገጸ ባህርያት ካብ ዲስኒን ካልኦት ካብ ኣብ መናድቕ ሰቒልናዮም ዘለና ስእልታትን ክኾኑ ይኸሉ እዮም፡፡ ብምባል ድማ እታ ሓላፊት መግለጺኣ ዛዚማ፡፡
ዓበይቲ ሰባት ንክኽተቡ 10 ደቒቕ ክወስደሎም እንከሎ ንነፍስ ወከፍ ቆልዓ ግን ሓደ ርቢዒ ሰዓት እዩ ዝወስደሉ።
ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር-ቢዮንቴክ ዝኾነ መድሃኒት ኮሚርናቲ ንኽጥቀም ብሓሙስ ከም ዘጽደቖ ይዝከር።