ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ጽንብል መርዓ እናሃለዉ 19 ሲቪላውያንን ሰለስተ ዕጡቓትን ብደብዳብ ነፈርቲ ፈረንሳ ከም ዝተቐተሉ፡ መርመራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ “ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ግብረ-ሽበራውያን እየ መጥቃዕቲ ፈጺመ” ብምባል ነቲ ውጽኢት መርመራ ከም ዝጠራጠሮ ገሊጹ’ሎ። ፈረንሳ ኣብ መላእ ሳሕል 5100 ዝኾኑ ወተሃደራት ምስ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ርክብ ኣለዎም ንዝበልዎም ኣሸበርቲ ንምቅላስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ሄሊኮፕተር ፈረንሳ ኣብ ማእከላይ ማሊ፡ ቦንቲ ዝተባህለት ገጠር፡ ኣብ ልዕሊ ጽንብል መርዓ ዝካፈሉ ዝነበሩ ሲቪላውያን መጥቃዕቲ ምፍጻመን ድሕሪ ምሕባሮም እዩ ሕቡራት ሃገራት፡ መርመራ ኣካዪዱ ዘሎ። እዚ ዝተጠቕሰ መርዓ ከም ዝተኻየደን ኣብቲ መጥቃዕቲ እተኻየደሉ ጽንብል 100 ዝኾኑ ሲቪላውያን ከም እተሳተፉን ንጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ሓቢሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ሓሙሽተ ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም እተባህሉ ሰባት፡ ኣብቲ ጽንብል ከም እተሳተፉ ኣረጋጊጸ ኣለኹ ኢሉ’ሎ። እንተኾነ ግን ኣብዚ መጥቃዕቲ፡ ዕላማ ዝተገብሩ ሲቪላውያን ምዃኖምን እዚ ድማ ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕጊ ገበን ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
እቲ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ሳተላይት ስእሊታት ከይተረፈ ከም ዝመርመረን ነቲ ቦታ ብኣካል በጺሑ ልዕሊ 400 ሰባት ቃለመሕትት ከም ዝገበረን ገሊጹ’ሎ። እዚ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተጻብኦታት ብኸመይ ክእለዩ ኣለዎም ዝብል ዓብይ ሕቶ ኣለዓዒሉ ኣሎ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።