ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውይና ነታ ከም ብሓድሽ ዝተሰየመት ከተማ ፖርት ኤሊዛቤይ ነበር ንምድማጽ ይጋደሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እታ ከተማ ስማ ካብ ፖርት ኤሊዛቤት ናብ Gqeberha ከም ዝቐየረት ተፈሊጡ። እዚ ስማ ካብ ቋንቋ ክሶሳ ዝተረኽበ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ቋንቋ ክሶሳ ሓደ ካብ 11 ቋንቋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ነቲ ቋንቋ ዘይመልኩ ሰባት ከድምጽዎ ዘሸግር ድምጺታት ከም ዘለዎ ይንገረሉ።
ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መልእኽቲታት ሓደ “ሰብ ክሶሳ በጃኹም ስም እዛ ከተማ ምድማጽ ክንክእል መሃሩና” ክብል ተማሕጺኑ ኣሎ።