ደቡብ ኣፍሪቃ: ጎረቤት ሃገራ ሞዛምቢክ ኣንጻር ጂሃዳውያን እትገብሮ ዘላ ኲናት ሓገዝ ንምብርካት: 1500 ወተሃደራት ምልኣኻ ፕረሲደንት እታ ሃገር: ሲሪል ራማፎሳ: ገሊጹ።
ንሱ: ዕላማ እዚ ተልእኾ “ግብረሽበራን ሕሉፍ ጎነጽን ንምዕጋት እዩ” ኢሉ’ሎ። ካብ 2017 ኣትሒዙ: ኣብ ሞዛምቢክ: ሓደ ምስ ዳዕሽ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ዝበሃል ዕጡቕ ምንቅስቓስ ክረአ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኣውራጃ ካቦ ዴልጋዶ ዝንቀሳቐስ ጂሃዳዊ ጒጅለ: 800 ሽሕ ሰባት ምፍንቓሎም ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ሞዛምቢክ: እዞም መጥቃዕቲታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጸቢቖም ምብልሖም ብፍላይ ንጐረባብቲ ሃገራት ዓብዪ ምንጪ ሻቕሎት ምዃኑ ይግለጽ። እዚ ተልእኾ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣካል ናይቲ ብወርሒ ሰነ ዝቖመ ኣፍሪቃዊ ሓይሊ ምትሕብባር እዩ። ኣቐድም ኣቢለን ሩዋንዳን ቦትስዋናን ሰራዊት ልኢኸን ምንባረን ዝዝከር እዩ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኣብ ኣውራጃ ካፖ ዴላጎ ዘሎ ጸጥታ ንምምሕያሽ: ሰራዊት መንግስቲ ሞዛምቢክ ምስልጣን ከም ሓደ ስትራቴጂ ሒዙ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ይፍለጥ።