በዓልመዚ ኣገልግሎት ሲቪላዊ ኣቪዬሽን: ነቲ ብሰሉስ ኣብ ጀንጎሊ ዘጋጠመን ህይወት 10 ሰባት ዝቐዘፈን ምሕምሻሽ ነፋሪት ንምጽራይ መርማሪት ጒጅለ ልኢኹ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ። ዳይረክተር በዓልመዚ ሲቪል ኣቪዬሽን: ኩር ኩዎል: ትማሊ ረቡዕ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ቅድሚ ምዕላባ ብልሽት ሞተር ከም ዘጋጠመ ዘመልክቱ ኣፈናዊ መርመራታት ከም እተገብሩ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት፡ ካብ ፔሪ ካብ እትብገስ ዓሰርተ ደቓይቅ ምስ ገበረት፡ ሓደ ሞተረ ምስራሕ ምቊራጹ፡ ናብ መበገሲኣ እናተመልሰት ድማ እቲ ካልኣይ ሞተር ደው ብምባሉ እታ ነፋሪት ተሓምሺሻ ክብል፡ ኩዎል፡ ኣብሪሁ።
እዛ HK-4274 ዝዓይነታ ናይ ንግድ ነፋሪት፡ ዋኒን ኲባንያ መንገዲ ኣየር ደቡብ ሱዳን ኮይና፡ ውልቃዊት ንብረት ነጋዳይ ደቡብ ሱዳን፡ ኣዪ ዱዋንግ፡ ምዃናን እቲ ምሕምሻሽ ዘጋጠመ ካብ ጁባ ናብ ፒቦር እናተጋዕዘት ምዃኑ ተገሊጹ።
መርመርቲ ምስ በዓልመዚ ሲቪል ኣቭዬሽን ደቡብ ሱዳን ብምዃን ንጸላም ሳንዱቕ ናይታ ነፋሪት ኣብ ምፍታሽ እዮም ዝርከቡ ክብል፡ ኩዎል፡ ሓቢሩ’ሎ።
ዳይረክተር እቲ መንገዲ ኣየር፡ ዱዋንግ ኣዪ፡ ብወገኑ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ምብጋሳ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምንባራ ምግላጹ ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ። ነፋሪት ኣብ ጥዑይ ኲነታት ምህላዋ ከየጣለልካ ክትበርር ምፍቃድ ዘይሕሰብ እዩ፡ ፓይለታት እውን እንተኾኑ ባዕላቶም እዚ ከየረጋገጹ ናብ በረራ ኣይብገሱን እዮም። ስለዚ ድማ እቲ ሽግር እንታይ ምዃኑ ገና ኣይፈለጥናን ኣሎና” ክብል ኣዪ ን ሳውዝ ሱዳን ኢን ፎካስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ቃሉ ሂቡ’ሎ።
ነታ ነፋሪት ዝመርሓ ዝነበረ ወዲ 30 ዓመት ፓይሎት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝሰልጠነ ምንባሩ ዘመልከተ ኣዪ፡ ንውጽኢት መርመራ ክቕበል ድሉው እየ ኢሉ።