ወተሃደራውያንን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዞባ ዓብዪ ጆንገሊ፡ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሚሊሻ፡ ይሕግዙ ምህላዎም ብምጥቃስ ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት ዝህሉ ግርጭታት የባልሑ ኣለዉ ብምባል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወቒስዎም።
ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ ኣብ ዝተባርዐ ኮማዊ ግርጭታት፡ 700 ሰባት ከም እተቐትሉ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው/ሕ/ሃ ገሊጹ’ሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መስላትን ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳንን ብሓባር ናብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ፡ ነቶም ቅትለት ዝፈጸሙ ጥራይ ዘይኮነ ግርጭታት ንኽባላሕ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለዉ ፖለቲካኛታትን ወተሃደራውያን መራሕትን እውን በዚ ተሓተትቲ ንምግባር ክንቀሳቐስ ኣለዎ ኢሎም።
እዞም ዕጡቓት ሚሊሻታት ዘስዕብዎ ዘለዉ ጎነጽን ህልቂትን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን፣ ስለዚ ድማ ነዞም ሚሊሻታት ዝሕግዙ ዘለዉ ሰብ መዚ ጸጥታ፡ ካብ ተግባራቶም ንኽቚጠቡ፡ መንግስቲ ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጒምቲታት ክወስድ ይግብኦ” ክትብል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባሽለት ኣብቲ ጸብጻብ ገሊጻ’ላ።
ሚሊሻታት ዲንካ፥ ኙዌርን መርለን ኣብ ጀንጎሊን ምምሕዳር ፒቦርን ብዝካየድዎ ጎነጽ ኣማኢት ሰባት ምሟቶ፡ 680 ደቀንስትዮን ቆልዑን ከም እተጨውያ፡ 39 ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠመንን እዚ 36 ገጻት ዝብዝሑ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ።
እዚ ጎነጽ ንምውጋድ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ምዝራብ ኢና ዘሎና ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ኣፈኛ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፡ ሚካኤል ማክዌይ፡ ኣብዚ ጸብጻብ ርእይቶኡ ንኽህብ እኳ እንተተሓተተ ክምልስ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ገሊጹ’ሎ።