ኣብ ምምሕዳር ሊድሾፒን ዝነብሩ ወለዲ፡ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ዘይልእኩ ካሕሳ ክኸፍሉ ምዃኖም ተሓቢርዎም ክብል TT ሓቢሩ። ኣብ’ዚ ምምሕዳር፡ ብዝሒ ብኩራት ተማሃሮ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ወሲኹ ይርከብ። ምምሕዳር እቲ ከባቢ፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ ንዘብኮሩ ወለዲ ምልእኽቲ ሰዲድሎም ኣሎ። መምርሒ ግዴታዊ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከምዘሎን እቶም ብዘይ ናይ ሕማም ምኽንያት ደቆም ኣብ ገዛ ዘትርፉ ወለዲ ድማ ኣደዳ መቕጻዕቲን ስጉምትን ክኾኑ ምዃኖም ዝሕብር እዩ። ኣብ ሽወደን፡ መምርሒ ግዴታዊ ትምህርቲ ኣለና። ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝመጹ ምግባርን ምርግጋጽን ድማ ሓላፍነት ምምሕዳር እዩ ክትብል ኣብ ሊድሾፒን ሓለቓ መማህርን ዝኾነት፡ ጎኒላ ኪንደቢሪ፡ ሓቢራ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እታ ምምሕዳር ልዕሊ 40 ናይ ተማሃሮ ብኩራት መዝጊባ። ንነዊሕ ግዜ ካብ ትምህርቲ ምብኳር ንመስርሕ ምስትምሃር ዓቢ ጸገም ከምዘስዕበሉ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኤክስትሮም፡ ገሊጻ ከምዝነበረት ይዝከር። ነዚ መግለጺ ዝሃበት ድማ ድሕሪ እቲ ብመንገዲ ተለቪዥን ሽወደን ዝተረኽበ ውጽኢት ናይ ዳህሳስ ምንባሩ እዩ። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ኣስታት ፍርቂ ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከም ዘብኮሩን፡ ዝበዝሑ ድማ እቶም ኣብቲ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ዝነብሩ ምዃኖም ውጽኢት ናይቲ ዳህሳስ ሓቢሩ።