ኣብ ከተማ ዮተበሪ ምምሕዳር ሃማርኩለን፡ ሰርሓተኛታት ማእከል መንእሰያትን ቤተ-ንባብን፥ ብኮተቴ ኣባላት መርበብ ገበነኛታት
ዝበጽሖም ምፍርራሕ ናብ ፖሊስ ዘይምሕባሮም ተፈሊጡ። እዞም ሰራሕተኛታት ንሓደ ኣባል እዞም መርበባት ብምስጓጎም
መዝበጥቲ፡ ምፍርራህን ምንግልታዕን ክወርዶም ጸኒሑ’ሎ። ይዂንምበር፥ እዞም ሰራሕተኛታት ነቶም ኮተቴ ናብ “ኣገልግሎት
ማሕበራዊ ጒዳያት” ክጠርዑሎም እናተገብኦም፡ እዚ ዘይምግባሮም መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–ካሊበር– ኣቃሊዓ።
እዞም ኮተቴ ኣባላት ገበን፥ ንዂሎም ግብረሰዶማውያን ክንሓርዶም ኢና ዝብል ምፍርራህ ምዝርግሖም፥ ንሓጺር እዋን ከኣ
ንመላእ ቀጽሪ እቲ ማእከል ተቖጻጺሮም ምንባሮም “ካሊበር” ወሲኻ ኣረዲኣ። ብሰንኪ ፍርሂ፥ ቆልዑ ናብቲ ቤተንባብ
ዘይምእታዎም፡ እቶም ኮተቴ ካብቲ ቦታ ክሳብ ዝለቁ ኸኣ ካልኦት መንእሰያት ርሕቕ ኢሎም ይዕዘቡ ምንባሮም–ኣብ ከተማ
ዮተበሪ ጎደቦ ሃርማኲላን ሓላፊት ቤተንባብ ኤሊዛቤት ጆርጅ ቻንዲ–ገሊጻ። እዞም ጒጅለታት ገበን፥ ኣብ ቤተንባብ እውን
ከይተረፈ ዕጸፋርስ እናተለዋወጡ፥ እቶም ኣባላት ስታፍ እናረኣዩ፥ ብሰንኪ ፍርሂ ደው ከብልዎም ዘይምኽእሎም፥ ቻንዲ ወሲኻ
ኣመልኪታ።
እዞም ጒጅለታት ሕነ ክፈድዩና እዮም ኢሎም ብምፍራህ፥ ገለ ሰባት ርእዮም ከም ዘይራእዩ ናይ ምዃን ባህሊ የማዕብሉ ኣለዉ–
ብመሰረት በዓልመዚ ፖሊስ ክርስያን የንሰን።