ያታዊ ሙዚቃ ክመሃሩ ዝደልዩ ሽወደናውያን ብቚጽሪ እናወሓዱ ምምጽኦም፥ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ኣሃዛት
ኣመልኪቶም። ኣብ 2022 ዝተረኸቡ ኣሃዛት ምስ ናይ 2019 እንክወዳደሩ፥ እዚ ቊጽሪ ርኡይ ምንቊልቋል ኣርእዩ’ሎ። እዚ
እናኾነ፥ ያታዊ ሙዚቃ ሽወደን ኣብ ፊልምታትን ናይ ጌይም ጸወታትን ስግር ባሕሪ እናተፈትወ ምምጽኡ፥ ዳይረክተር ትካል ኤሪክ
ሳልስትሮም ዝኾነ ማግኑስ ሆልስትሮም ገሊጹ’ሎ። ኣብ ሽወደን ነዞም ያታዊ መሳርሒታት ሙዚቃ ምምላኽ ዝነበረ ተገዳስነት
እናጎደለ እኳ እንተመጸ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘሎ ተርእዮ ግና ካብዚ ብኣንጻሩ እዩ።
"ያታዊ ሙዚቃ ሽወደን ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካዛኽስታን፥ ኣርጀንቲን፥ እስራኤልን ጃፓንን ኣዝዩ እናተፈትወ
እዩ ዝመጽእ ዘሎ” ክትብል ተመሃሪት ያታዊ ሙዚቃ ሽውደን ዝንበረት ኤመሌ ቫልድከን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።