ዋና ኣዛዚ ምክልኻል ዩክሬይን፡ ነቲ ኖርወይ ዝገበረቶ ናይ ሃዊትዘር ከበድቲ ኣጽዋራት ሓገዝ ምኽንያት ብምግባር፡ ነታ ሃገር ኣመስጊኑ። እዞም ኣጽዋራት፡ ድሮ ኣብቲ ወራር ሩስያ ንምምካት ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ኣግልግሎት ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ፡ ኣዛዚ ምክልኻል ዩክሬይን ጀነራል ቫለሪ ዛሉዥኒ፡ እዚ ከቢድ ብረት ሃዊትዘር ኖርወይ ካብቲ ናይ ሶቭዬት ብዝሓሸ ዝገፍሐ ኣፍን ዝበርትዐ ቅምቡላን ዝትኲስ ብምዃኑ፡ ኣብ ኲናት ስሉጥ መሳርሒ እዩ ክብል ን ኖርወይ ስለቲ ሓገዛ ኣመስጊኑ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ወርሓ ግንቦት ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ኖርወይ ከምዚ ዝበለ ኣጽዋር ንዩክሬይን ምልጋሳ ኣመስጊኑ ምንባሩ፡ ተክኒስክ ኡከብላድ ጸብጺባ’ላ።