መጠነ ሰፊሕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝፍጸምዓመቱ መሊእሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዩክሬይን ብሽወደንንሃገራት ምዕራብን ንዝግበረላ ሓገዝ ካብ ልቢ ከም እተመስግንኣምባሳደር ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ኣንድሪ ፕሎሽኑክ ገሊጹ።
እንተኾነ ግና፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ መሬት ዩክሬይን ክሳብ ዘሎዩክሬይን ካብ ተጸባይነት እዚ ሓገዝ ሓራ ክትወጽእኣይትኽእልን እያ ክብል ፕሎሽኑክ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን ዛጊት 50 ሽሕ ዝኾኑ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣብትሕቲ “ግዜያዊ ዲሬክቲቭ ሓለዋ” ምህላዎም ዘልዓለ ኣቲኣምባሳደር፡ ናይ ቋንቋ ትምህርቲን ኤለትሮኒካዊ ወረቐትመንነትን ንህይወት እዞም ስደተኛታት ንምምሕያሽ ክሕግዝከም ዝኽእል ኣመልኪቱ’ሎ።