ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ዝተሰዱ ዩክሬናውያን ብብዝሒ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ምጅማሮም ተገሊጹ። ካብ 400-500 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ምሉእ ለይቲ ክጉዓዙ ሓዲሮም ካብ ፖላንድ ናብቲ ኣብ ኒናሻምን ዝርከብ መርሳ ብጃልባ ክኣትዉ ምዕዛባ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
“ኣዝዩ ዘሰቅቕን ኣድካሚን ጒዕዞ ኢና ወዲእና” ክትብል ሓንቲ ምስ ስድራኣ ናብ ሽወደን ዝኣትወት መንእሰይ ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እዚ እናኾነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዛጊት 5,200 ብሰንኪ ወራር ሩስያ እተመዛበሉ ዩክሬናውያን ምቕባሉ ኣመልኪቱ’ሎ።
እንተኾነ ግና ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ መዓልታዊ 4000 ዩክሬናውያን ናብ ሽወደን ይኣትዉ ምህላዎምን ብዘይ ዝኾነ ቪዛ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ሸንገን ክንቀሳቐሱ ከም እተፈቕደሎምን ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እቲ ኤጀንሲ ዘዳለዎ ግዜያዊ ትንበያ ክሳብ ምውዳእ ወርሓ ሰነ ካብ 27,000 ክሳብ 212,000 ዝኾኑ ዩክሬናውያን ኣብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ።