ሃገረ የመን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ብመንገዲ ግሎባል ኮቫክስ ምርካባ ተገሊጹ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ መንግስቲ የመን፡ ብሰንኪ ካልኣይ ማዕበል ኮቪድ-19 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ህንዲ ዝፈረየ 300 ሽሕ ብልቃጥ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ድሮ ናብ ከተማ ዓደን ምብጽሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ሃገረ የመን፡ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘለዉ፥ ከምኡ ውን ንሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ውሑስ ኲነታት ክትፈጥር ክትክእል እያ ክብል፡ ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ የመን፡ ፊሊፕ ዱዋሜለ፡ ገሊጹ። መንግስቲ የመን ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ተወሳኺ ብልቃጥ ክመጾ ይጽበ ምህላዉን እዚ ኣትዩ ዘሎ ናብ መላእ ኲርናዕ እታ ሃገር ክባጻሕ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ።
ብሰንኪ ውግእ ሕድሕድ፡ ኣብ ሃገረ የመን፡ 20 ሚልዮን ዜጋታት ተጸበይቲ ረድኤት ከም ዝኾኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት 4100 ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ምልካፎምን 864 ምሟቶምን ጸብጻባት መንግስቲ የመን የመልክቱ።