ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ዓስከሬን ትራይሴራቶፕስ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ብ1.5 ሚልዮን ዩሮ (15 ሚልዮን ክሩነር) ንዕዳጋ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ።
እቲ ዓስከሬን፡ ተገሚቱሉ ዘሎ ዋጋ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ቤተ መዘክራት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቤተ መዘክር ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ክኣቱ ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ።
እዚ ተሰሊዑ ዘሎ ዋጋ፡ ድምር ናይ 20 ክሳብ 25 ዓመታት ናይ ዕድጊ ባጀት፡ ናይቲ ኣብ ቱሉስ ዝርከብ ቤተ መዘክር ናቹራል ሂስትሪ ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ጨረታ ክንወዳደር ኣይንኽእልን ኢና ክብል ዳይሬክተር እቲ ቤተ መዘክር፡ ፍራንሲስ ዱራንሶ፡ ገሊጹ።
እዚ “ቢግ ጆን” ዝተሰምየ ዓስከሬን ትራይሰራቶፕስ፡ ኣብ ደቡብ ዳኮታ፡ ኣብ ዓመተ 2014 ዝተረኽበ ኮይኑ ናብ ዓዲ ጣልያን ተላኢኹ ዝተገጣጠመ እዩ። ዓስከሬን ትራይሰራቶፕስ፡ 8 ሜትሮ ቁመትን 66 ሚልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎን ምዃኑ ይንገር።
እዚ ዓስከሬን፡ ናይ ምልኣኽ ፍቓድ ዘለዎ እዩ ዝበለ፡ ካብ ቢኖቸ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ናይ ጨረታ ትካል፡ ኣለክሳንድረ ጊክዌሎ፡ ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ዓደግቲ ከምዘለዉ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ናይ ጨረታ ትካል፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ናይ ኣሎሳውሩስን (allosaurus) ዲፕሎዶኩስን (diplodocus) ዓስከሬናት፡ ነፍሲ ወከፎም ብ1.4 ሚልዮን ዩሮ ክሸይጥ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ናይ ካልኣይ ኣሎሳውሩስ ዓስከሬን፡ ብ 3 ሚልዮን ዩሮ ምሻጡ ይፍለጥ።