ዝዓበየ ሰልፊ ቱኒዝያ፡ ኣልናህዳ፡ ፕረዚደንት ሳዒድ ቃዒስ፡ ሓድሽ ምርጫ ከካይድ ጻውዒት ከምዘቕረበ ማዕከን ዜና ተተ ካብታ ሃገር ዝረኸቦ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እዚ ሰልፊ፡ ድሒሩ ንደገፍቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዕግርግር፡ ደገፍ ኣብ ምሃብ ከተኲሩ ጸዊዖም ኣለዉ። ኣቐድም ኣቢሉ ሰልፊ ኣልናህዳ፡ ደገፍቱ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ፡ ንምስጓጒ ቀዳማይ ሚኒስተር ሒሸምን ደው ዝበለ ስራሕ ባይቶን ኣመልኪቶም ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር። ብስነኪ እዚ ዝተላዕለ፡ ብሰኑይ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ኣልናህዳ ምስ ደገፍቲ ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ኣብ ግርጭት ኣትዮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰልፊ ኣልናህዳ ሓሳባቱ ብምቕያር፡ ደገፍቱ ኣብ ክንዲ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዝቃወሙ፡ ናብ ልዝብ ከድህቡ ዝጽውዕ ዘሎ። ነዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ኲሎም ቱኒዝያውያን፡ ደገፍ፡ ምትሕብባርን ሕብረትን ከርእዩ ኣለዎም ክብል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ’ሎ። ፕረዚደንት ሳዒድ፡ ኣብ ክንዲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዝሃንጽ፡ ሓድሽ ምርጫ ከካይድ ይግባእ ክብል ወሲኹ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ካብ ስልጣን እተሰጐጐ፡ ሚቺቺ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነቲ እተመርጸ ሰብ ስልጣኑ ከረከብ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።