ገዚፍ ኲባንያ ኤሪክሰንን ዋና ኣካያዲኡ ቦርየ ኤኮልምን፥ ኣብ ኣመሪካ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ። እቲ
ኲባንያ፥ ን ዳዕሽ ጉቦ ብምሃብ፥ ከምኡውን ን ውድብ ግብረሽበራ ዝኾነ ኣልቓዒዳ ናይ መራኸቢ መሳለጥያ ሂብካ ኢኻ ብዝብል
እዩ ተኸሲሱ ዘሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሪክሰን ቦርየ ኤኮልም፥ ነዚ ክሲታት ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ድሕሪ ምሃብ፥ “ምንም
ዝፈጸምናዮ ገበን የለን” ክብል ሞጊቱ’ሎ።
ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ብመጥቃዕቲ ዳዕሽን ኣልቓዒዳን ዝተቐትልዎም፡ ከምኡውን በዚ መጥቃዕቲታት ብኣሉታ ዝተጸልዉን ሓዊስካ
ብጠቕላላ 500 ሰባት፡ ነዚ መስርሕ መጋባእያ ይሳተፍዎ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።