70 ሚእታዊት ካብ ኖርወጃውያን፥ ስቓይ ኣብ ዝበዝሖ ሕማማት ብሓገዝ ሓኪም ዝፍጸም ሞት ከም ዝድግፉ ሓደ መጽናዕቲ
ሓቢሩ። እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ኖርወይ ብሕጊ ስለ ዘይጸደቐ፡ ዘይምሕር ግና ኣሳቓዪ ሕማቕ ዘለዎም ሰባት ብሓኪም ተሓጊዞም
ንኽሞቱ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ጸኒሖም ኣለዉ። መራሒት ትካል “መሰል ክቡር ሞት” ኣና ኪራህ ካብ ውልቃዊ ተመኲሮኣ
ብምብጋስ ፡ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ሓድሽ ህዝባዊ ክትዕ ክለዓዓል ትደሊ ኣላ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን እትነብር ጓል 87 ዓመት ኣዲኣ፡ ቀታሊ መንሽሮ ከም ዘለዋ ምስተረጋገጸን ንኽትመውት
ሓገዝ ምስ ረኸበትን፡ ዝግበረላ ዝነበረ ክንክን ኣቋሪጻ። ኪራ ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (ኤን.ኣር.ኬ) ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡
“ማማ ኣብተን ናይ መወዳእታ 19 መዓልታታ ምስኣ ኔርና፡ ኣዝያ ሕጉስቲ ኸኣያ ነይራ፥ ብሓባር መግቢ ሰሪሕና፡ ብሓባር
ተጻዊትና፡ ብሓባር ከኣ ነቢዕና” ትብል።
ማሕበረሰ ብሕክምናን ፖለቲከኛታትን ኖርወይ ብሓኪም ተሓጊዝካ ዝግበር ሞት ኣይድግፉን እዮም። እንተኾነ ግና ኪራ ፡ እዚ
ኣገባብ ኣብ ከም ስጳኛ፡ ሆላንድ፡ ቤልጅየምን ፖርቱጋልን ፍቚድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኖርወይ ቀጻሊት ነዚ እትፈቅድ ሃገር
ኤውሮጳ ክትከውን ትሰርሕ ኣላ። በዚ ንጥፈታ ኸኣ ሰፊሕ ደገፍ ከምዘለዋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ዝርከብ ማእከል ሕክምናዊ
ስነ-ምግባር፥ ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። ዘይምሕር ሕማም እንተዘጋጥመካ ብሓገዝ ሓኪም
ብፍቓድካ ክትምወት ምፈተኻዶ ዝብል ሕቶ ካብ ዝቐረበሎም ኖርዌጃውያን እቶም 70 ሚእታዊት እወታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም
ገሊጾም ኣለዉ።