ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቊጠባ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ሽወደን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዂል ኣይኮነን ኢሎም ከም ዝኣምኑ፥ 40% ዝኾኑ ከኣ ኣብ ከተማታት ግዜያዊ ሰዓት እቶ እቶ እንተተኣወጀ ቅር ከም ዘይብሎም ጸብጻብ ኣፍቶንብላዴት ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ መፋርቕ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሽወደናውያን ብዛዕባ እዚ ሕማምን ኣገባብ ኣተኣላልያኡን ዘለዎም ሓፈሻዊ ርእይቶ ንምግምጋም ዝተኻየደ ኮይኑ ክፍሊ ትምህርቲ ቊጠባ እዩ ኣቃኒዕዎ። 80% ካብቶም ነዚ ሕቶታት ዝመለሱ ዜጋታት ኣብ ናእሽቱ ትካላት ሕድገት ቀረጽ ክግበረለን ሓቲቶም ኣለዉ። ሓደስቲ ኣገባባት ክተኣታቶ ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳባት ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ደረጃ ብኣዎንታ ከም ዝርእያኦ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።